ኣተዓባብያ ቆልዑ ብ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ምስሊ ኣቦሓጎ/እኖሓጎን ግዲኦም ኣብ ስድራቤታትን ተቐይሩ። ግደ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ኣብ ልዕሊ ደቂደቆም ከም ኩነታት ስድራቤት ክፋላለ ይኽእል። ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ምዃን መምርሒ የብሉን። ነፍሲወከፍ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ሓገዝ ከበርክቱን ጣልቃ ክኣትዉን ከለዉ ከምቲ’ቶም ወለዲ ናይቶም ቆልዑ ብዝደልዩዎ ክኸውን ወይ ካኣ ከምቲ’ቶም ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ዝደልዩዎ ብመገዶም ክኣልዩዎም ብጥንቑቕ መስመርን ክጓዓዙ ይግቦኦም።

ገለ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ምስ ደቆም እንዳነበሩ ወለዲ ደቂደቆም ናብ ስራሕ ክኸዱ ከለዉ፡ ንሳቶም ንደቂደቆም ይኣልዩ። እዞም ኣቦሓጎታ/እኖሓጎታት’ዚኣቶም ኣብ ሂወት ደቂደቆም ርኡይ ዝኾነ ግደ ይህልዎም፡ ሓደሓደ ግዜ ንደቂደቆም ምእላይ መሪሕ ግደ ይህልዎም። ገለ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ምስ ደቂደቆም ዘይቅመጡ ክኾኑ ከለዉ ገለ ካኣ ካብ ገዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ይወስዱዎን ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ካኣ ይመልሱዎምን፡ ድሕሪ ትምህርቲ ኮነ፡ እቶም ቆልዑ ካብ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ይካናኸኑዎምን።

ኣብ ገለ ስድራቤታት ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ጌና ስለዝሰርሑ ኣብ ሂወት ደቂደቆም ዓቢ ግደ ኣይህልዎምን ወይ ክህልዎም ኣይደልዩን። እዞም ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት’ዚኣቶም ንዓኣቶም ኮነ ንስድራቤት ኣብ ዝጥዕሞም ግዜን ቦታን ምስ ደቂደቆም የሕልፉን ወይ ወለዲ’ቶም ቆልዑ ናብ ሓጺር ምብጻሕ ክወጹ ከለዉን የጽንሑዎም።

ካልኦት ንደቂደቆም ብዙሕ ግዜ ዘይክርእዩዎም ወይ ድማ ጨሪሶም ርኽክብ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል፡ ማለት ካብ ስድራቤት ርሒቖም ዝነብሩ ወይ ብጎንጺ ቤተሰቦም ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ገለ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ምኽንያት ጭነቀቶም ኣብ ሂወት ደቂደቆም ግዲኦም ዝቦዀረ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም ክኸውን ይኽእል።

ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ዘለናዩ እዋን ንሰንኪ ወለዶም ክኣልዩዎም ዘይምኽኣል ወይ ክኣልዩዎም ዘይምድላይ፡ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ንደቂደቆም ምስኣቶም ኣብ ገዝኦም ምሉእ ናይ ወላዲ ሓልፍነት ወሲዶም ዝኣልዩ ኣለዉ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ኣብ ሂወት ደቂደቆም ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ንደቂደቆም “ከም ኣብ ገዝኦም ወጻኢ ካብ ገዝኦም” ኣገባብ ድሕንነቶም ይሕልዉ፡ ይሕግዙዎምን ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ የወፍዩሎምን።

  • ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ምስ ደቂደቆም ካብቶም ጻዕቂ ስራሕ ዘለዎም ወለዲ ንላዕሊ ዘሕልፉዎ ግዜ ኣለዎም። ምስ ደቂደቅኹም ብዘይሃዋኽ ህድእ ኢልኩም ኣብ መጻወቲ ሜዳ፡ ንውሕዝበለ ብእግሪ ብምኻድን ብዛዕባ ዓለሞም እንዳመሃርኩምን እስኪ ግዜኹም ከተሕልፉ ፈትኑ።
  • ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ንደቂደቆም ኣገደስቲ ሓገዛት ዘበርክቱሎም እዮም። ንደቂደቅኹም ንክትሰምዑዎም ግዜ መድቡሉ። ንደቂደቅኹም ኣብ ዝጽግሞም ግዜ ወይ ዝጭነቑ ኣብ ምፍትሑ ክትሕግዙዎም ትኽእሉ።
  • ኣብ ሞንጎ ወላድን ቆልዓን ባእሲ ምስ ዝርከብ፡ ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ንምርካብ ሓደሓደ ግዜ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ካልእ መታካእታ ርእይቶ ከውፍዩ ይኽእሉ። ናይ ዝኾነ ሸነኽ ደገፍቲ ንከይትኾኑ ጸዓሩ፡ እንታይ ዳኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ደቂደቅኹምን ወለዶምን ኣረኣእያታት ብጽቡቕ ንክረዳድኡ ምግባር።
  • ደቂደቂ ዓለሞም ንኣቦሓጎታቶም/እኖሓጎታቶም የካፍሉዎም። ደቂደቅኹም ብዛዕባ ሓድሽ ተክኖሎጂ ክምህርኹም ከለዉ ንስኻትኩም ካኣ ንደቂደቅኹም ቅድሚ’ዚ ተክኖሎጂ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንሳቶም ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ዐለም ብከመይ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ከተካፍሉዎም ትኽእሉ።
  • ዓወት ደቂደቅኹም ጸምብሉ። ሓድሽ ነገር ንክፍትኑ ኣታባብዕዎም። ኣገዳስነት ተስፋን ትስፍውናን ኣርእዩዎም። ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ንደቂደቆም ንክርእዩዎ ዝኽእሉ ሂወት ከምዝካፋፈሉ ብምግባር ብሂወቶም ንክፍስሁ ሓላፍነት ክህቡዎም ይኽእሉ።