ብናትካ ሓሳብ ክትምራሕ ምትብባዕ

ህጻውንቲ ኣብዝ ዓብዩሉ ግዜ ናይ ወለዲን ዓርኹቲ ደገፍ ብትክኽል ምእንታን ክጥቐሙሉ እሞ ህጻውንቲ ብባዕሎም ክምርሑ፣ ብናቶም ድሌት ክሰርሑ ንምግባር ናይ ወለዲ ቐንዲ ተግባር ይኸውን። ውላድኩም ጥዑይ ዝኾነን ብባዕሉ ክዕለት ኣመራርሓ ክሓድሮም ንምሕጋዝ ይኸውን። ብባዕልኻ ኣመራርሓ ምኻድ በቲ ውላድኩም ምዕባለ ከይዲ ጠቓሚ ዝኾነ ጉዳይ እዩ። ህጻውንቲ ዕድሚኦም ክልተ ዓመት ጀሚሩ ብዙሕ ብርእሲ ምትዕምማን ስሚዒት ከምዘሓድረሎም እዩ። ስለዙይ ካብዚ ዕድመ ጀሚሩ ህጻውንቲ ብዛዕባ ኣነባብርኦም ናይ ባዕሎም መማረጺታት ክነብሮ ምትብባዕ ኣለኹም።

ካብ ውላድኩም ትስብዮ ናይ ርእሲምትዕምማ ደረጃ ምስ ዕድሚኦምን ክዕለቶም ዝተመሳሰለን ምቹው ምዃን ይግባእ ይኹን እምበር ከምቲ ኩነታ ክፈላለይ ይኽእል። ኣብ ሓደሓደ ኩነታት ህጻውንቲ ዝበለጸ ናይ ርእሲ ምትዕምማን ክሓድረሎም ይኽእል።

ህጻውንቲ ክገብርዎ ንዝኽእሉ ነገራት ንክፍጽሙ እሞ ስራሕ ንዝበዝሖም ወለዲ ዝተለምደ ምውጣር ክኸውን ይኽእል። ስለዙይ ቆልዑት ዕቤት እንዳወሰኹ ክኸዱ እንከሎ ምስቲ ዕድሚኦም ዝጠዓእም ስራሕቲ ብባዕሎም እምነትን ምትዕምማን ንከኻይዱ ካብ ወለዲ ሓገዝ ንምርካብ ብመጀመርታ ብዙሕ ግዜ ክወስደሎም ይኽእል።

ብትክኽለኛ ብርእስኻ ንምትዕምማን መተባብዕ ሜላታት

ብናትኩም ፍቓድን ብዘዳለኹሞ ዝተፈላለዩ መማረጺ ተግባራት ውሽጢ ንውላድኩም ብዝቐለሉ ምርጫታት ክገብር ዕድል ምሃብ እዩ። ንኣብነት፡ በብማዓልቱ ውላድኩም ንዝኽደንዎ፣ ምንም እንዃዕ ዝተወሰነ ናይ ሕብረ ቐለማት መማረጺ እንተሃለወ እውን ብናቶም ምርጫ ክኸውን ፍቓድ ምሃብ እዩ።

ህጻውንቲ ክሳብ ዝጋገዩ ምርኣይ እሞ ካብቲ ጌጋታት ክማሃሩ ምሕጋዝ እዩ።

ህጻውንቲ ኣብ ገዛ ውሽጢ ብዘሎ ስራሕ ተሳትፎ ምግባር፣ ማለት ከም ቫኩም ጽሬት፣ ምንጋፍን ኩስታሮ ከምኡ’ውን ኣራት ምንጻፍ ይኸውን።

ንናይ ሓላፍነት ምዕባለታት ብሰንጠረዥ ምምዝጋብ ስለዙይ ህጻውንቲ ናይ ገዛ ውሽጢ ስራሕቲ ከጠናቕቑ እንከሎ ነቲ ዝበጽሑዎ ደረጃ ከፍልጦም ይኽእል።

ህጻውንቲ ብዘለዎም ኣተሓሳስባ ሕጉስ ከምዝኾንኩም ኣፍልጥዎም። ምስዓቶም ብዝግበሩ ነገራት ናቶም ኣታሓሳስባ ምሕታት እዩ።

ብዝተኻኣለ መጠን ንናይ ውላድኩም ውሳነታት ኣድናቖት ምሃብ እዩ።

ህጻውንቲ በቲ ዝመርጽዎ ከይዲ ንዘሎ ጸገማት ክርድኦም ምሕጋዝ እዩ።

ብዛዕባ ጸገም መፍጥሂ ንምርካብ ኣካይዳ ክዕለት ንህጻውንቲ ምምሃር - ብርእሶም ብዛዕባ ጸገም ኣፈታትሓ እንታይ ክገብሩ ከምዝግባዕ ምትብባዕ እምበር እንታይ ከምዝገበሩ ዘይምንጋር እዩ።

እቲ ኩነታ ንውላድኩም ኣጸጋሚ እንተኾይኑ ኣወንታዊ ዝኾነ ሓገዝ ምድላው እዩ።

ዋላ ዝኾነ ውጽዒት ይምጻእ የግዳስ ህጻውንቲ ብባዕሎም ድሌት ክሰርሑ ምትብባዕን ምስትምቓር ይግባእ።

ምስ ዕድመ ተመጣጣኒ ዝኾነ መጻወቲ ባንቡላታት ብምድላው እሞ ህጻውንቲ ንሓጺር ግዜ ብባዕሎም ክጻወቱ ምምሃር ይኽእሉ።

ህጻውንቲ ነቲ ዝተጻወቱሉ መጻወቲ ባንቡላታት ብባዕሎም ንምእካብ ሓላፍነት ክወስዱ ምሕጋዝ እዩ።

ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ህጻውንቲ ብዛዕባ ሰዓት ኣጠቓቕማ ክምሃሩ ብምግባር እሞ ምስ’ቲ ዝሕብዎ ሓደሓደ መምርሒታት ከነጻጽርዎ ምግባር ይኸውን። ንኣብነት፡ “ንምጽዋት ናብ ጎረቤት ምኻድ ትኽእል፤ ይኹን እምበር ኣብ ሰዓት 4:30 ናብ ገዛ ክትመጽእ እደሊ እየ።”

ህጻውንቲ ካብ ዝሓሰብዎ ትልሚ ክበጽሑ ምሕጋዝን እሞ ነዞም ተግባራት ሓቢርካ ምስራሕ ይኸውን።