ወላዲ ምዃን

ወላዲ ምዃን እዝዩ ዓቢ ስራሕ ኾይኑ ንሙሉእ ሂወትካ ዝቕእዩ። ገለ ከምዝብሎም ብሓደ ወገን ዘድንቕ ካሕሳታት ትረኽበሉ ኾይኑ፣ በቲ ሓደ ድማ ክብድ ዝበለ ጸገማት ዘጋጥመሉ ጉዕዞ እዩ።

ናይ ኣተዓባብያ ፈጠራ

ኩሉ መልሲታት

ኩሉ ክፈልጦ የብለይን

ብዛዕባ ኣተዐባብያ ኩሉ ነገር ክትፈልጥ ናይ ግድን ኣይኾነን። ንኩሉ ነገር መልሲ ዘለዎ ወላዲ የለን። ናይ ኩሉ ሰብ ኣገባብ ኣተዐባብያ ሓደ ዓይነት ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ከም ወላዲ መጠን፣ ንውላድና ከከም ውልቃዊ ጠበይቶምን ባህሪያቶምን ክንኸዶም ኣለና። ካብ ነብስኻ ትጽበዮ ነገራት እውን መጠናዊ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ክትገብር ኣይትፈትን።

ህጻን ምዕባይ ባህሪያዊ እዩ።

ህጻን ምዕባይ ምርዳእን፣ ክእለትን ቀጻልነትን፣ ስነ-ኣዕምሮን፣ ፍልጠትን ተጸዋርነት የድልዮ።

ነብስወከፍ ወላዲ ደገፍ የድልዮ። ጽቡቕ ጌርካ በቲ ትገብሮ ነገራት ሕጉስ ክትኸውን ይግባእ። ኣብቲ ድኽመታት ዘለኻ ድማ ብዙህ ኣይትሸገረሉ። ነብስወከፍ ወላዲ ክጋገ ይኽእል። ካብ ጌግኡ ድማ ተመኰሮ ይወስድ። ሕማቕ ክኸውን ዝኽእል ግን ካብ ጌጋኻ እንተዘይተማሂርካ ጥራሕ እዩ። ህጻን ኣብ ምዕባይ ትገብሮ ጌጋታት ንቡር ዝተለምደ እዩ።

ውላደይ ከዕቢ ስራሓይ እዩ።

ብልምዲ ከምዝጸንሖ፤ ቤተሰብን ጎረቤትን ሕሳውንቲ ናይ ም ዕባይን ምእላይን ሓላፍነት ምስ ወለዲ ይካፈልዎ ኔሮም። ኣብዚ ዘለናዮ ግዘ ግን ነቲ ህጻን ዘዕብዩ ወላዲኡ ንበይኑ ከምዝኾነ ይረኤ። ከምኡ‘ድማ እቲ ወላዲ ካልእ ሰብ ዝመዝኖ ከምዘሎ ኾይኑ ክስምኦ ይኽእል። እንተኾነ ግን ብዙሓት ወለዲ ዝተመሳሰለ ነገር የጋጥሞም። ከምቲ ንዓኻ ዝስመኣኻ እውን ይስምዖም እዩ። ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ነገራት ሓገዝ ምስትሓትት፣ ንዓኻ ኾነ ንውላድኻ ዝሓሽ ክኸውን ይኽእል። ሓገዝ ካብ ስድራቤታትካን መሓዙትካን ማሕበረሰብን ከምኡ’ድማ ካብ ናይ ስድራ ደገፍ ዝህቡ ትካላት ክርከብ ይኻኣል።

ቆልዓ ምዕባይ ናይ ማሕበረሰብ ንጥፈት እዩ። ኣብ ሂወት ናይ ቆልዓ ምዕባይ ብዙሓት ሰባት ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ’ዮም። ኣባሓጎን ዓባይን፣ ኣሞን ሓወቦን፣ ሓትነን ኣኮን፣ መሓዙትን መማህራንን፣ ጎረባብትን፣ ንናይ ስድራቤት ናብራ ደገፍ የብርክቱ ከምኡ’ውን ዓቢ ግደ ይጻወቱ።

ነብስኻን ውላድኻን እለ

ወላዲን ህጻውንቲ ብሓደ እዮም ዝማሃሩ።

ወላዲኾነ ውላድ ምሉእ ወይ ፍጹም ሰብ የለን።

ህጻውንቲ ክተዕብየሉ ትኽእል ዝተፈላለየ መንገዲታት ኣሎ። ሕጻውንትን ወለዲን ከኣ ካብ ነንሕድሕዶም ይማሃሩ።

ህጻውንቲ ኣብ ተፈላለየ ደረጃታት ዕድሜኦም ብቀጻሊ ካብ ወለዶም ይርእዩን ይሰምዑን ይማሃሩን። ንዝኾነ ነገር ከመይ ከምትገብሮ፣ ስሚዒትካ ብኸመይ ከምትገልጽ፣ ምስ ካልኦት ከመይ ከምትቐርብ፣ ኣተኩሮንም ይዕዘቡን ይኸታተሉን።

ከም ወላዲ መጠን፣ ውላድኻ እንዳዓበዮን እንዳተቀየሩን ክመጹ ከለዉ ቀጻሊ ብዛዕብ’ኦም ብዙሕ ትምሃር።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.