ህጻናት ስለምንታይ ጠባዮም የኽፍኡ?

ንወለዲ ደቆም ንምንታይ ብቐጻልነት እቲ ንሳቶም ዘየደልዮም ጠባያት ከምዘርእዩ ንምርዳእ ቀሊል ኣይኾነን። ህጻናት ዘርእይዎ ጠባያት ስምዒቶም ዝገልጹሉ መንገዲ እዩ።

እንተዳኣ እቲ ምኽንያታት ክተርድኦ ኪኢልካ ጠባዮም ከመሓይሽሉ ዝኽእሉ መንገዲታት ክትፈጥረሎም ይሕግዘካ።

ጠባይ ምክፋእ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል፡

  • ቆላሕታ ክግበረሎም እንተደልዮም
  • እንተዳኣ ነቲ ኩነታቶም ብኻልእ መንገዲ ክገልጽዎ ዓቕሚ ስለዝውሒዶም
  • ሓገዝ እንተዳኣ ደልዮም ወይ ብስጭት እንተሃሊዩ
  • ዘይምርድዳእ
  • መጠን ዘይብሉ ሕጊታት ወይ ትጽቢት
  • ደሕጊታት ወይ ድረት ምርሳዕ ገደብ ምግባር እዩ።

ህጻናት ገደብ የድልዮም።

ኣብ ህወቶም ዓወት ዝህቦም፣ ሓለፍነት ዘምህሮም፣ ምርጫታት ክህቦም ዝኽእል ሕጊታት ክህሉ ኣለዎ።

ገደብ ክግበር ከሎ፣ ንጹርን ስርዓት መስመር ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ መስመር ዘይምሓዝ ንህጻናት እንታይ ይፍቀደሎም እንታይ’ድማ ኣይፍቀደሎምን ንክፈልጡ ምድንጋር ክፈጥረሎም ይኽእል።

ኩሎም ደቅኻ ክኽተሉዎ ዝኽእሉ ቀዋሚን ዘዕግብን ሕጊታት ግበረሎም። ምኽንያት ሕጊ መግበሪኻ’እውን ግለጸሎም።

ንደቅኻ እቲ ሕጊታትን ገደባትን ብቀጻሊ ኣዘኻኽሮም።

ሳዕቤናት ናይ ሕጊ ደንቢታት ምጥሓስ፡

  • ብዝቀልጠፈ ክፍጸም ኣለዎ
  • ሓጺር ክኸውን ኣለዎ፤ እንተዘይኾይኑ ግን ትርጉም የብሉን
  • ኩል ግዜ ጥንቑቕ ከምኡ’ውን ክብረት ናይ ቆልዓ ክትሕሉ ኣለካ
  • ንድሕንነት ቆልዓ ክብሪ ምሃብን ጥንቑቕ ክትኸውን ኣለኻ።

ንደቅኻ እቲ ሕጊ ክትሕግዞም ትኽእለሉ መንገዲታት፡

  • ትሰምዖምን ትዛረቦምን
  • እንታይ ከምዝስምዖም ምርዳእ ወይ ምፍላጥ
  • ቀጻልነት ምህላው
  • እጽቢትካ ካብ መጠን ንላዕሊ ከይኸውን ምርግጋጽ
  • ቆላሕታ ትገብረሎም ግዜ ምሃብ
  • ባዕሎም ጸገሞም ንክፈትሑ ምትብባዕ
  • ጽቡቕ ነገር እንተጌሮም’ድማ ንኣዶም።

ክትዝክሮ ዘለካ ነገራት፡

  • ኩሎም ህጻውንቲ ዝተፈላለየ ጠባያት ኣለዎም። ስለዙይ ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣተዓባብያ ከድልዮም ይኽእል።
  • ሓደ ዓይነት ኣገባብ ንኩሉ ግዜ ክሰርሕ ስለዘይኽእል ሓዱሽ ነገራት ክትፈጥር ክትኽእል ኣለካ።
  • ውላድካ እንዳዓበየ ክመጽ እንከሎ፤ ክዕለቶምን ድልዮቶምን እንዳተቐያየረ ስለዝመጽእ ኣገባብ ኣተዓባብያኻ’እውን ክቕየር ኣለዎ።
Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.