ህጻናት ንከይጭነቑ ምሕጋዝ

ሓደሓደ ግዜ ህጻናት ክማኻ ክጓዓዙ ስለዘይኽእሉ ንስኻ ከምቲ ዓቕሞም ጌርካ ብሓደ ምጕዓዝ የድሊ።

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ኣብ ስድራቤት ብዙሕ ጭንቀት የጋጥም። ንኣብነት ብዙሕ ሰዓታት ምስራሕ፣ ምፍታሕ፣ ሕማም፣ ብዘይ ስራሕ ምንባር፣ ገዛ ምቅያር ንህጻውንቲን ወለዲን ጸገም ክፈጠር ይኽእል እዩ።

ቆልዓ ክውለድ እንከሎ ወላድካ ዘይሕጉስ ይኹን እንበር ኣብ ስድራቤት ዓቢ ለውጢ የምጽእ’ዩ ብፍላይ ድማ ንናእሽቱ ህጻውንቲ። እዚ ተሞኩሮ ኣብ ኣገባብ ናይ ኣተዓባብያና ዓቢ ተጽዕኖ ክገብረልና ይኽእል። ኣብዚ ግዜ ንደቅኻ ድልየቶም ክተማልኣሎም ወይ ከተስተውዕለሎም ኣይትኽእልን ትኸውን።

ንውሉድካ እንታይ የጋጥሞ?

ኣብ ግዜ ጭንቀት ውላድካ ፍርሒ፣ ተኣፋፍነት፣ ዘይምሕዋስ ስሚዒት የሕድረሎም ይኽእል። ንኹሉ ዘጋጥም ውላድካ ከምዝርዳእ ኣይትገምት።

እዚ ዘደናግርን ዘየተኣማምንን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ህጻውንቲ ንዝፈትውዎ ሰብ ሕማቕ እንተዳኣ ኣጋጢሙዎ፣ ናቶም ሓላፍነት ኾይኑ ክስምዖም ይኽእል።

ህጻውንቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ለውጢ ወይኻዓ ጭንቀት ከጋጥሞም ዝገብርዎ፡

  • ካብ ዕድሚኦም ታሕቲ ዝኾነ ጠባያት የርእዩ። እዚ’ድማ ካብ ዓቕሞም ንላርርሊ ከምዝኾኖም ከምኡ’ውን ንዓኻ ከምዝደለዩ ዝገልጹለ መንገዲ እዩ።
  • ቆላሕታኻ፣ ምእላይ፣ ደገፍን ምኽሪን ንክረኽቡ ንዓኻ ኣጥቢቖም ናይ ምክትታልን ጠለባት ምብዛሕን ጠባያት ከርእዩ ይኽእሉ።
  • ድቃስ ክስእኑ፣ ዘፍርሕ ክሓልሙ ወይኻዓ ኣብ ዓራት ክሸኑ ይኽእሉ።
  • ካብ ኩሉ ነገራት ክንጸሉ ጠጠው ከብሉ ወይኻዓ ብቀሊሉ ክሓርቁ ይኽእሉ።
  • ዝኾነ ናይ ስድራቤት ነገራት ንከመሓይሹ ክፅዕሩ ይኽእሉ።
  • ንዓኻ ከየሕርቑ ወይኻዓ ከየሻቐሉ ንዘለዎም ስሚዒት ከይገልጹልካ ይኽእሉ።

እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ….

  • ንደቅኻ ኩልግዜ ከምትፈትዎም ኣረጋግጸሎም።
  • ንዝኾነ ሽግር ናቶም ሓላፍነት ከምዘይኾነ ደጋጊምካ ኣረጋግጸሎም።
  • ዋላ ተበሳጨው ግናስ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት ቅኑዕን ብሩሕን ጌርካ ግለጸሎም።
  • ኣብ ዝምልከቶ ውሳነታት ክሳተፉ ምግባር።
  • ንክዛረቡ ግዜ ሀቦም። እንተዳኣ ክዛረቡኻ ዘይኻኣሉ ዝኣምኑሉ ዘኽእሎም ሰብ ንከዛረቡ ኣተባብዓዮም።
  • ንደቅኻ ዝተፈላለየ ስሚዒታት ክህልዎም ከምዝኽእል ግለጸሎ፣። ስሚዒቶም ክገልጹሉ ዝኽእሉ መንገዲ ሜላ ፍጠረሎም።
  • እንታይ ከምዝስምኦም ክትርዳእ ግዜ ምውሳድ እዩ። ብምንታይ ምኽንያት ዝተፈላለየ ጠባያት ከምዘርእዩ ክትርዳእ ፈትን። ነዚ ክትገብር ተጻዋርነት የድሊ።
  • ንዓኻ ኾነ ንውላድካ ምእንታን ሓገዝ ክህቡኹም ዝኽእሉ እኹላት ሰባት ኣብ ከባቢኻ ከምዘልዉ ኣረጋግጽ።
  • በቲ መደበኛ ኣሰራርሓ ጽኑዕን ጻዓራይ ንምዃንካ ምፍታን።

እርስዎንና ህጻናትን ለመርዳት በአካባቢዎ ለሚኖሩ ሰዎች ማረጋገጥ ነው።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.