እተን ቐዳሞት ዓመታት

ኣብ ናይ ህጻን ሂወት፣ እተን ቐዳሞት ዓመታት ስለምንታይ እየን ራገዳስቲ ኾነን?

ካብ ትውልዲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዘሎ ግዜ፣ ውላድካ ቀልጢፉ ዝመሃረሉን ዝምዕብለሉን ግዜ እዩ። ኣብዘን ቐዳሞት ዓመታት እቲ ሓንጎል ናይ ህጻን ዝምዕብለሉ ኣገባብ ተነቃፊ እዩ። ኣብዘን መጀመርታ ሰለስተ ዓመታት ናይ ህጻን ሂወት፣ ሓንጎሉ ኣእርዩ ይም ዕብል፤ ከምኡ’ውን ንመጻኢ ምዕባለታት መዘጋገሪ ይምስርት።

ዝኾነ ንገብሮ፣ ንበሎ ንዛረቦ፣ ንሓስቦን ዝሰማማዓና ነገራት ካብ ተሞኩሮና ዝመጸ ኾይኑ ብሓንጎልና እዩ መልእኽቲ ዝመሓላለፍ። ሓንጎልና ንክንፈቱው ኾነ ክንስሕቕ፣ ክንበኪ ኾነ ጽቡቕ ከስመዓና፣ ክንደናገር ኾነ ክንርዳእ ይፈቕደልና እዩ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ሓንጎል

ህጻን ዝውለደሉ ሚእቲ ቢልዮን ዝኾነ ናይ ህዋሳት ዋህዮታት ይህልዎ። እንተኾነ ግና ሓንጎሉ ገና ኣይምዕብልን። ኣብተን ቀዳሞት ቁሩብ ዓመታት ናይ ህጻን፣ እዞም ዋህዮታት እንዳማዕበሉ ይመጹ። ከምኡ’ውን ኣብ ሓንጎል ናይቲ ህጻን፣ ኣድላዩ ዝኾነ ምትእስሳር ይፈጥሩ። እዚ ምትእስሳራት ድማ ናይ ውላድካ ስሚኢታዊ፣ ሕብረተሰብኣዊ፣ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባባት ክህንሰሉ ይኸውን።

ኣብዘን ቀዳሞት ዓመታት ሓንጎል ናይ ቆልዑት ናይቲ ከባቢኡ ዘሎ ጽልዋታት የሕድር። ሓንጎልና ኣብ ከባቢና እንታይ ከምዝኻየድ ዘሎ ንክነግረና ህዋሳዊ ኣካላት ከም ዓይኒ፣ እዝኒ፣ ኣፍንጫ፣ መልሓስን ቆርበትን ይጠቅም። ዝኾነ ዘጋጥመና ተሞኩሮታት ብህዋሳትና ተጻርዩ ይሓልፍ። ሕዋሳትና ናብ ሓንጎልና ንዘጋጥመና ተሞኩሮታት ኾነ ሓበሬታታት ዝርዳእሉን ዝምልሰሉን ኣገባብ ክቅይሮ ዝኽእል መልእኽቲ የመሓላልፉ።

ተደላይነትና ናይ ተራ ወለዲ ኣብ እተን ቐዳሞት ዓመታት

ኣብተን ቐዳሞት ዓመታት ናይ ህጻን ኣብ መንጎ ውላድን ውሉድን ዘሎ ርክባት ንምዕብልና ሓንጎል ናይቲ ህጻን ብዝተፈላለየ መንገዲ ጽልዋታት ከምዝገብረሉ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ።

ኣብተን ቐዳሞት ዓመታት ህጻናት ብፍቕሪን ሓልየትን እንተዳኣ ዓብዮም ንዝመጽእ ሂወቶም ኣብ ነብሶም ምትእምማን ይህልዎም። ከምኡ’ውን ናይ ትምህርቲ ዓቕምምታቶም ብርቱዕ ይኸውን።

ኣናእሽቶ ቆልዑትን ህጻናትን ብዝበለጸ ንኸዓብዩን ክማሃሩን ከምዕብሉን ብዙሕ ምዕንጋልን ምክንኻንን ሓልዮት ምርኣይን የድልዮም።

ዝዓብዩ ህጻናት ርእሰተኣማመንነትን ተገዳስነትን ክህልዎም ዝኽ እል፣ ምስ ወለዶም ዘለዎም ዝምድና ርክቢታት ኣወንታዊ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ።

እዚ ኣወንታዊ ዝምድና ርክቢታት ንዝኾነ ኣብ ሂወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት ንኽገጥሙ ይሕግዞም።

ኣብተን ቐዳሞት ዓመታት ዝጠፍእ ግዜ፡

  • ንውላድካ ንክትሓቅፎን ክተልዕሎምን
  • ክተዛረቦምን ፍሽኽታ ክትህቦምን
  • ምልክታት ጠለባቶም ክትቕበልን መልሲ ክትህበሉ
  • ውላድኻ ሓዱሽ ተሞኩሮን መጻኢ ዕድላቶም ክምዝህልዎም ምግባር
  • ውላድኻ ዑቚባትን ድሕንነቶም ዝተሓለወ ከምዝኾነ ምግባር እዩ።
Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.