ከምወላዲ መጠን ክፈልጥዎ ዝግባዕ

ብዝተኻኣለና መጠን ኩላሕትና ብጣዕሚ ጽቡቕ ወላዲ ክንኸውን ንደሊ ኢና

ብዛዕባ ወላዲ ምዃን ከምወለዲ መጠንኩላሕትና ብዙሕ ሓሳባት ምፍጣር ንጅምር ኢና። ከምወላዲ መጠን ንውላድናን ንባዕልና ናይ ቕድሚት ተስፋ ንገብር ኢና። ሓደሓደ ወለዲ ኣብቲ ዝደለይዎ ትክኽለኛ ዕላማ ከምዝበጽሑ እዮም። ይኹን’እምበር ሓደሓደ ድማ ብዘይደሌናዮ ኩነታ ከምዝበጽሕን ብከመይ ከምዝተፈጥረ ብግልጺ ከይተረዳእና እሞ ንውላድና መልሲ ክንህብ እንተሎ ጸገም ከምዝኸውን ክርድኣና ይኽእል።

ከምቲ ናይ ውላድና ናትና ሕይወት ተሞኩሮ ኣቐራርጻ’እውን ንናትና መንነት ከምዝገልጽ እዩ። ኣብ ከባቢና ብዘለዉ ብዙሓት መገልገሊ ምንጪታት ማለት ወለድና፣ ስድራቤት፣ ዓርኹቲ፣ ናይ ህጻን ምክንኻን መውሃቢ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ሰበሙያተኛን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዘጠቓለለ ኣቢሉ ብዛዕባ ህጻውንቲን ወለዲ ምዃን ንዘለና ሓሳብ ብስእሊ ጌርና ምግላጽ ከምንኽእል እዩ።

ከም ወላዲ መጠን ነቲ ንፈልጦ ነገር ብዙሕ ግዘ ንደጋግሞ ኢና። ብልምዲ ዝርከብ ነገር ብዙሕ ግዘ ብደንቢ ንፈልጦ ኢና። ምስ ቐዳማይ ስድራቤትና ክንዓብይ እንከለና ዝረኸብናዮ ተሞክሮታት ብዛዕባ ህጻውንቲ፣ ወለዲን ስድራቤት ንወደፊ ልምዲን እምነት መርኸቢ ጠቓሚ መሰረት ከምዝኸውን እዩ።

ብዘለና ዝሓሸ ኣገማምታ ኣፍራሲ ብዝኾኑ ነገራት ምዃድ ….

ኣብ ኩሉ ወላዲ በቲ ናይባዕሎም እምነት ኣፍራሲ ብዝኾነ ህጻውንቲ ይገብሩ ወይኻዓ ይዛረቡ እዮም ዝብሉሉ ግዘ ከምዘሎ እዩ።

‘ንውላድ ብዓውታ ምዝራብ ኣይፈትውን ኔረ፣ ይኹን’ምበር ናይ ኽዳነይ መቆለፊ ስለዝደፍኣ እሞ ብጣዕሚ ተበሳጭየ ብድሕሪኡ ንባዕለይ ምቑጽጻርን ጠጠው ምግባር ኣይኻኣልኩን። ’

በዚ እዋን ወለዲ ርዕሶም ብምስሓት ንሰበይቲ/ሰብዓይን ንውላዶም ከበሳጩው ይኽእል።

ስሚዒታት ክጠፍእ ከምዝኽእልን እሞ ብእዋኑ ጽቡቕ ወላዲ ክረክብ ኣለዎ። እዞም ስሚዒታት ኣበይ ክምዝመጹ እንተፈሊጥና እሞ ንወለድና ምላሽ ክንህን እንተሎ ብምንታይ ዓይነት መንገዲ ምልውዋጥ ከምንኽእል ንፈልጥ።

ንውላድኩምን ንባዕልኹም ክትፈልጥዎ ምግባር

ህጻውንቲ ከምቲ ኩነታት ክለዋወጡ ከምዘለዎምን ብናትና ስሚዒትን ባህሪ ምቑጽጻር ብምዃኖም ብሓላፍነት ይሓቱና እዮም። ናይ ጭንቒ ስሚዒት እንተሃልዩና፣ እንተደኺሙና፣ እንተተበሳጭና ወይኻዓ ተስፋ እንተቆሪጽና እሞ ከምቲ ኩነታ ዝመሳሰል ምላሽ ንምሃብ ዘሎና ክዕለት ክጠፍእ ይኽእል።

ብናትና ድሌት ወይኻዓ ስሚዒት ንዘሎ ኩነታ ዘገናዝብ ኸይኾነስ መጨረሽኡ ዘስብድ ኩነታን ተግባራት ክፈጥር ይኽእል። እዚ’ውን ኣሞንጎ ወላዲን ህጻውንቲ ዘሎ ስሚዒት ክፈላለይ እንከሎ ብዙሕ ግዘ ንኽልቲኦም የበሳጭው፣ ይጎድእ ወይኻዓ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ይኽእል።

ከም ወላዲ ምዃን መጠን ንዘለና ነገራት ወይኻዓ ዝደፋፍእ ኩነታ እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥ የድሊ እዩ። ብዙሕ ግዘ ናይ ውላድና ስሚዒት ወይኻዓ ባሕሪ ኣብ ናትና ስሚዒትን ባሕሪ ከበሳጭው ይግበር እምበር አሞንጎ ውላድኩምን ናትኹም ንዘሎ ኩነታ ጠቐሜታ ከምዘይብሉ እዩ። ብግቡእ ምላሽ ንምሃብ ምእንታን ምቹው ዝኾነ ብሕታዊ ድሌትን ስሚዒት ምስናይቲ ቆልዓ ኩኔታ ንምፍላጥ ምፍታን የድልየና እዩ።

ብባዕልና ጽን ኢልና ምርኣይ ንምንታይ ከምዝሓሰብና፣ ከምዝተሰማእናን ንምትግባር በቲ ዘርኣእናዮ ባሕሪ ብዝበለጸ በቲ ስራሕና ክንርዳእ ንኽእል። ብባዕልትና ኣጸቢቕና ብምግምጋምን ብምፍላጥ ከም ወላዲ መጠን ከምቲ ኩነታ ተለዋዋጣይ ንምዃንን ንምልማድ ከምዝኽእል እዩ።

ብዛዕባ ወላዲ ምዃን ሓሳብ ኣበይ’እዩ መጺኡ?

ብዛዕባ ህጻውንቲ ኣመጻጽኣ ዘለኩም ኣተሓሳስባ ኣበይ’እዩ ዝመጸ?

ናትኹም እዋን ቁል ዕነት ልምዲታት ሎሚ ብዘለኾሞ ናይ ወላዲ ምዃን ኩነታ ብኸመይ መንገዲ ተፅእኖ የሕድረሉ?

ብዛዕባ ወላዲ ምዃን ዝፈትዎ ነገ እንታይ እዩ?

ብዛዕባ ወላዲ ምዃን ንምልዋጥ ዝደልዮ እንታይ እዩ?

ካብ ወላዲ ትደልይዎ ፍሉይ ዝበለ ነገር፣ ከም ወላዲ መጠን ወላደይ ካባይ ዝደልዮ ነገር እንታይ እዩ?

ውላደይ አንዳዓበየ ክኸይድ እንከሎ ንዘለኒ ኣቐራርባ መዕበዩ ኣቛም ንምልዋጥ እንታይ ክሓስብ ኣሎኒ?