ኣሕዋትን ኣሓትን

ኣሕዋትን ኣሓትን ድልዱል ዕርክነት ክህልዎም ይኽእል፤ ሓደሓደ ግዜ’ድማ ከም ጸላእቲ ይኾኑ። ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ስሚዒት ምስ ግዜ ከምኡ፤ውን ምስ ዕድሚኦምን ደረጃ ዕብዮቶም ይቐየር።

ኣሕዋትን ኣሐትን ክቛየቚ፣ ከላግጹ፣ ክካሰሱ ይኽእሉ። እንተኾነ ግና እዚ ጠባያት ንቡር ጥራይ ዘይኾነስ ህጻናት ምስ ካልኦት ከመይ ከምዝረዳድኡ ከምህሮም ዝኽእሉ መንገዲ ሜላ እዩ።

ከምዚ ዓይነት ጠባያት ክርከበሉ ዝኽ እል ብዙሕ ምኽንያታት ይነብር፡

  • ሓደሓደ ግዜ ንቆልዑት ሓደ ዓይነት ጌርካ ክትሪኦም ኣኻኣልን። ወለዲ ነብሲወከፍ ቆልዓ ብ ዕድሚኡን ጥባዩን ገሚቶም ከምኡ’ውን ነቲ ኩነታት ኣመዛዚኖም ከከን ኣድላይነቱ ከተዓናግዱ ኣለዎም።
  • ኣሕዋትን ኣሓትን በበይኑ ዓይነት ኣተሓሳስባን ጠባይን ክህልዎም እንከሎ ሓደሓደ ግዜ እንተዳኣ ተገራጭዮም ዝተለምደ ጉዳይ እዩ።
  • ኣሕዋት ቆላሕታ ናይ ወለዶም እንተዳኣ ደልዮም ብዙሕ ግዜ ይበዓሱ።
  • ቆልዑት ሓደ ነገር እንተዳኣ ቅኑዕ ኾይኑ እንተተሰሚዕዎም ይካትዑ እዮም።

መልሲ ኣወሃህባ ኣሕዋት

ናይ ነብሲወከፍ ቆልዓ ውልቃውነት ድልየትን መልሲን ምፍላጥ የድሊ። ኣሉታዊ ዝኾነ ነገር ዘይምውድዳር።

ትከባበረሉ ረኽቢ ዝምድናታትን ንኹሉ ዝምልኸት ናይ ስድራቤትካ ሕጊታት ግበር። ደቅኻ ከይተባዓሱ ብሓደ ኾኖም ክጻወቱ ከለዉ ኣመስግኖም ከምኡ’ውን ኣተባብዓዮም።

ንነብሲወከፍ ውላድካ ዝንባለታት ወይ እቲ ዝፈትዎ ነገራት ክገብር ዕድል ሀብዎ።

ደቅኻ ብሓደ ክጻወቱ ከለዉ ከይተባኣሱ ንነዊሕ ግዜ ክጻወቱ ትጽቢትካ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይኹን።

ምስ ነብሲወከፍ ውላድካ ከምኡ’ውን ብሓባር ምስ ኩሎም ግዜ ወሲድካ ንምጽናሕ ግበር።

ደቅኻ እንተዳኣ ተገራጭዮም ሽግራቶም ባዕሎም ንክፈትሑዎ ውውድል ሃቦም።

እንተኾነ ግና እቲ ግርጭት ካብቲ መስመር ከምዘይወጽእ ኣረጋግጽ። ጸገማት ንክፈትሑ ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ሕተቶም። እንተዳኣ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኾይኑ ተራእዩካ መፍትሒ ክትረኽበሎም ፈትን።

ንህጻውንቲ ካልኦት ቆልዑት ከመይ ከምዝሰመዖም ንክሓስቡሉ ኣተባብዓዮም።

ንህጻናት ኩሉ ነገር ናይ ሓባር ክኸውን ከምዘይብሉ ኣርድኣዮም።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.