ብዛዕባ ውላድኩም ማሕበራዊ ምዕባለ ምሕጋዝ

ህጻውንቲ ብዘለዎም ዕላማታት ብዘይምቁራጽ ይማሃሩ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ሓቢርካ ከምትነብር ይማሃሩ። ሓደ ህጻን ካል ኦት ከምህርዎ ድሌት እንተሃልይዎ እሞ እቲ ህጻን ሓዱሽ ነገራት ንክፍትን እምነት ይሓድረሉ እዩ።

ህጻውንቲ ዘለዎም ማሕበራዊ ዕብየት ምስናቶም ስሚዒታዊ ምዕባለ ብጣዕሚ ዝተቐራረበ ይኸውን። ህጻውንቲ ንዘለዎም ስሚዒት ማለት ከም ሕርቓን ወይኻዓ ውዕውዕ ንዝበለ ስሚዒት ንምቁጽጻር ዝኽእሉ ህጻውንቲ ብዙሕ ግዜ ኣወንታዊ ብዝኾነ መንፈስ ምስ ካልኦት ህጻውንቲ ምይይጥ ከምዝገብሩ እዩ። ህጻውንቲ ናይ ካልኦት ስሚዒት እንተተረዲእዎም እሞ ክጻወቱ እንከሎ ናይ ካልኦት ድሌት ብዝበለጸ ከስተናዓግዱ ይኽእሉ።

ኣሞንጎ ውላድካን ካልኦት ጽቡቕ ርኽቢ ንክፍጠር ከም ወላዲ መጠን ብጣዕሚ ጠቓሚ ዝኾነ ግዘ ከምዘለኩም እዩ። ንዓቶምን ንካልኦት በቲ ዝግበር ኣቐራርባ ሜላ ብምብጋስ ህጻውንቲ ብዛዕባ ዝምድና ኣቐራርባ ኩነታ ይማሃሩ እዮም።

ኩሎም ህጻውንቲ ብዝተፈላለየ ናይ ማሕበራዊ ዕብየት ደረጃታት ይጉዓዙ። መብዛሕትኡ ግዜ ህጻውንቲ ክዕለት ማሕበራዊ ናብራ ብጸወታን ብምውድዳር ኣቢሎም የማዕብሉ እዮም። ናይ ህጻውንቲ ጸወታ ምስ ዕድመ ብኸመይ ከምዝልወጥ? ህጻውንቲ ብዕድመ ዕብየት ከምጽእ እንተሎ ምስ ካልኦት ህጻውንቲ ንምጽዋት ብዝብል በይንቶም ከምዝኸዱን ብድሕሪኡ’ድማ ምስ ካልኦት ህጻውንቲ ተሓባቢሮም ብሓባር ይጻወቱ እዮም።

ንውላድካ ምፍላጥ

ብዝተፈላለየ ዕድመ ንዘልዉ፣ ካብዝተፈላለየ ሃገር ንዝመጹን ዝተፈላለየ ብሕታዊ ልምዲ ንዝለዎም ህጻውንቲ ኣብ ማሕበራዊ ክዕለት ምዕባለ ዝተፈላለየ ጸገም ከምዘጓንፎም እዩ። ሓደሓደ ህጻውንቲ ብቐሊሉ ዓርኽቲ ክነብሮም እንከሎ ንሓደሓዲኡ’ድማ ከቢድ ከምዝኾነ እዩ። ሓደሓደ ህጻውንቲ ሓፋር ክኾኑ እንተሎ ካልኦት’ድማ ደገደግ ከምዝኸዱ እዩ። ህጻውንቲ ንሓደሓደ ማሕበራዊ ክዕለት ከማሓይሹ ጸገም ከምዘይብሎም እዩ ይኹን እምበር ካልኦት ጸግም ከምዘለዎም እዩ።

ውላድኩም ኣብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኩነታ ክሳተፍ እንከሎ ምርኣይ። እሞ ብኸመይ ከምዝሓዝዎ ክፈልጡ ምግባር። ብዝተፈላለየ ቦታ ንምልምማድ ኣፈላላይ ኣለዎም’ዶ? ብናይ ባዕሎም ምትዕምማን ይጎድሎም’’ድዩ? ብቐሊል ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት እንታይ እዮም? ንምስራሕ’ኸ ብዝበለጸ ጸገማት ዝኾኖም እንታይ እዮም?

ህጻውንቲ ብእግሪ ንምኻድን ንክዛረቡ ከምዝምሃርዎ ኹሉ እሞ ናይ ህጻውንቲ ማሕበራዊ ክዕለት ክመሓየሽ ደገፍ፣ ልምዲን ኩነታት ደጋጊምካ ምስራሕ ከምዘድሊ እዩ።

ንውላድኩም መሓገዚ ሜላታት

ለጋስነትን ለዋህነት ዝተመልኦ ከባብቢ ኣብ ስድራቤት ውሽጢ ምፍጣር። ብሓባር ክኻፈሉ ምሕባርን ንካልኦት ኣብ ግምት ውሽጢ ክገብሩ ምግባር።

ውላድኩም ነቲ ትደልይዎ ዓይነት ማሕበራዊ ባሕሪ ክትሕዝ ንስኹም ኣብነት ኣርኣያ ምዃን። ከምኡ’ውን ዓበይቲ ኣሕዋት ንቶም ኣናእሽቶ ኣሕዋት ጽቡቕ ምሳለ ናይ ምዃን ዓቢ ድርሻ ክነብሮ ይኽእል።

ህጻውንቲ ብብመዓልቱ ንዝመጽ እ ዘስልችው ስራሕ ሓገዝ ምሕታትን እሞ ከምዝደለይዎ ሓገዝ ምሃብ እዩ።

ኣሞንጎ ውላድኩምን ካልኦት ምእንታን ግቡዕ ዝምድና ርኽቢ ክፍጠር ምብርትታዕ - ንኽልቲኦም ማለት ንዓበይቲን ኣናእሽቶ ህጻውንቲን።

ህጻውንቲ ብዛዕባ ዘለዎም ስሚዒት ኣወንታዊ ኣርኣያ ክነብሮም ምሕጋዝ። ኣወንታዊ ብዝኾነ ንባዕልኻ ብምስትምቓር እሞ ብጽቡቕ ንማሕበራዊ ምምሕያሽ ወሳኒ እዩ።

ህጻውንቲ ብዘለዎም ስሚዒት ናይ ካል ኦት ዝስም ኦም ነገራት ክፈልጡ ምሕጋዝ ይኸውን።

ውላድኩም ብኸመይ ብጉጅለ ከምዝሳተፍ፣ ተራ ከምዝሕልውን ደንቢታት ናይ ምዕባለ ክዕለት ክነብሮ ምሕጋዝ እዩ።

ብሓባር ኾይንካ ንምጥቓም ግቡዕ ዝኾነ ግንዛበ ምውሳድ። ሓደ ቆልዓ ብሓባር ንክጻወት ሓደሓደ ባንቡላ መጻወቲታት ብዝበለጸ ከሽግሮም ይኽእል። ንኣብነት፡ ንዝትፈትዎ ባንቡላ መጻወቲ፣ ውላድኩም ምስካልኦት ክጻወት እንከሎ እሞ ነዞም መጻወቲታት ኣርሒካ ምቕማጥ ይኸውን።

ህጻውንቲ ብሓባር ክጻወቱሉ ንዝኽእልሉ ብዙሓት መደባት ዕድል ምጣር ይኸውን።

ውላድኩም ብዙሕ ግዜ ዘሕልፈሉን ንዝጻወተሉ መዓልቲታት ብዝዳለወሉ ንውላድኩም ቕድመ ቤት ትምህርቲ ወይኻዓ ቤት ትምህርቲ ምሕታት እዩ።

ንእግሪ ተኽሊ ህጻን ዘለውን ናይ ጸወታ መዓልታት ሓጺር፣ ቐሊልን ዘሕጉስ ከምዝኸውን ምግባር። ብጣዕሚ ህጻውንቲ ንዝኾኑ ብዛዕባ ጸወታ ምንቅስቓስ መርበብ ምፍላጥ ይኸውን። ንህጻውንቲ ዝተመደበ ግዜ ቐስ ብቐስ በብግዚኡ ብምንዋሕ እሞ ተሳትፎ ንዝገብሩ ህጻውንቲ ቑፅሪ ምውሳኽ፣ ውላድኩም ዕድመ እንዳወሰኸ ክኸይድ እንከሎ በቲ ቦታ ንዝተዳለወ መርበብ መጠን ብምቕናስ እሞ እቶም ህጻውንቲ ነዞም ኩነታት ንምስራሕ ክዕለቶም ክመሓየሽ ምርኣይ ይኻኣል።