ኣብዚ ቐረባ ግዘ ከምዝፈትወካ ነጊረካ’ዶ ኔረ

ብብዝሕ ግዜ እቲ በአናእሽተኦን ስድራና ዝብሉና ዝነበሩ ነገራት ነመዋእል ምሳና ይጸንሕ። ህጻውንቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ከምዝፍተውን ተቐባልነት ከምዘለዎምን ክፈልጡ ምግባር።

ነብስወከፍ ህጻን ናይባዕሉ ዝተፈለየ ባሕሪያት ኣለዎ።

ውልቃዊ ፍልልያት ኣብ ህጻውንቲ ከተባባዕን ክኽበርን ይግባእ።

ነብስወከፍ ህጻን ኣብ ስድራቤቱን፣ ሕብረተሰቡን ኣበርክቶ ኣለዎ።

ኣወንታዊ ርእሰ ተኣማመንነት ማለት ብዛዕባ ነብስኻ ክብረት ክስምዓካ ከሎ እዩ።

ህጻውንቲ ርእሰ ተኣማመንነት ምስዝህልዎም ኣብ መጻኢ ሂወቶም የባራትዖምን ተስፋ ይህቦም።

ክ ዕለት ከምዘለዎምን ክጎናጸፉ ከምዝኽእሉን ንክሕግዞም ነብሲ ተቐባልነት ክህልዎም የድሊ። ርእሰ ተኣማመንነት ዘለዎም ህጻውንቲ ናይ ትምህርቲን ሓዱሽ ነገራት ናይምፍታን ብቕዓቶም ልዕል ዝበለ እዩ።

ህጻውንቲ ኣገደስቲ ምዃኖም ክነፍልጦም ንኽእለሉ መንገዲታት፣ ከምቲ ዘለዉዎ ከም ትፈትዎም ብብዝሒ ግዜ ኣፍልጦም።

ምስኦም ግዜ ብምሕላፍ፣ ከምትፈትዎም ኣርእዮም፣ ስም ዓዮም፣ ሕቐፎም ከምኡ’ውን ፍሽኽታ ሀቦም።

ንዝኾነ ዝገብርዎ ኣወንታዊ ነገራት ብዝያዳ ኣተባብዓዮም።

ብቕዓቶም ንከበራትዕ ሓግዞም።

ኣብ ናይ ስድራቤት ጉዳያት ርእይቶኦም ሕተት። እዚ ብምግባር ርእይቶኦም ተቐባልነት ከምዘለዎ የረጋግጸሎም።

ሽግራቶም ንክፈትሑ ሓግዝዎም። ኣብኦም ምትእምማን ከምዘለካ ኣረጋግጸሎም። ገደብ ግበረሎም ከምኡ’ውን ትጽቢትካ ንጹርን መስመራውን ክኸውን ኣለዎ። ካብ መስመር ዘይሓለዎ ጠባያት ክህሉ እንከሎ፣ ርእይቶኻ ግልጽ እንተኾነ ግናስ ንውላድኻ ኣይትንቀንፎ።

ርእይቶኻ ምሃብ ንህጻውንቲ ከምህሮም እምበር ከሳቕዮም ኣይኾነን ዕላምኡ።

“ኣደይ ከምትፈትወኒ ይፈልጥ እየ ምኽንያቱ ኩሉ ኣነ ዝገብሮ ነገራት ጽቡቕ እዩ ኢላ ስለትሓስብ።”

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.