ናይ ህጻናት ፍርሒን ሻቕሎት

መብዛሕትኡ ህጻውንቲ ብዝኾነ ደረጃ ስግኣት ፍርሂ ከምዝሓድረሎም እዩ። ልሙድ ዝኾነ ፍርሂን ስግኣትን ከም ጸገማት፣ ኣውኣውታ፣ ዋበይቲ እንስሳት፣ ምጥፋእ፣ ዓቢ ዘፍርሕ ፍጡርን ንበይንኻ ምድቓስ ዘጠቃለለ ይኸውን። ሓደሓደ ህጻውንቲ ሓደሓደ ግዜ ወለዶም ይሓሙ ወይኻዓ ይሞቱ ብዝብል ፍርሂ ብጣዕሚ ከምዝፈርሑ እዮም።

ከምኡ’ድማ ኣብ እዋን ህጻውንቲ ምዕባለ ዝፍጠር ኩነታት ውሽጢ ሻቕሎት እቲ ሓደ ኣካል ይኸውን። ንህጻውንቲ ዓቢ ፍርሂት ሻቕሎት ከሕድረሎም ይኽእል። ኣብ ኣነባብራ ህጻውንቲ ብዙሕ ለውጢታት ከመጽእ እንተሎ ፍርሂ የሕድረሎም እዩ። ንኣብነት፡ ህጻውንቲ ናብ ሓዱሽ ገዛ ክልውጡ እንከሎ፣ ናብ ሓዱሽ ቤት ትምህርቲ ክጅምሩ ወይኻዓ ኣብ ሓዱሽ ስራሕ ክሳተፉ እንተሎ ናይ ሻቕሎት መንፈስ ከሕድረሎም ይኽእል። ኣብ ህጻውንቲ ወይኻዓ ብዝትፈትዎ ነገር እንታይ ከምዝፍጠር ዘይምፍላጥ ሻቕሎትን ጭንቒ ከሕድረሎም ይኽእል።

ብሰንኪ ህጻውንቲ ጭንቐት ዝመጽእ ዝተፈላለዩ ባሕሪያት ክርኣይ ከምዝኽእል እዩ። እዙይ’ድማ ከም ምስሓው ሓፍቲን ዓርኽቲ ባእሲ፣ ብዘይምኽንያት ምኹራይ፣ ድቓስ ምስኣን ባሕሪያት፣ ብዙሕ ምብካይ፣ ከረው ኣቢልካ ምሓዝ ወይ ብእምቢታ ገዲፍካ ምኻድ ይኸውን። ንህጻውንቲ ባሕሪያት ምልውዋጥ ምኽንያት ብእዋኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽ እል። ምስ ህጻውንቲ ሓቢርካ ብምጽናሕ እንታይ ከምዝተፈጠረ ንምፍላጥ ዝለዝሕግዝ እሞ ነቲ ዘፍርህ ነገራት ንምፍላይ ትኽእሉ።

ብውላድኩም ንዘሎ ፍርሂን ሻቕሎት ምላሽ ምሃብ

ህጻናት ኣብዝፈርሁሉ እዋን ወይኻዓ ክሻቐሉ እንከሎ ዘይምስሓቕ። ዋላ እዃዕ እቱይ ዘፍርሆም ነገር ናይ ሃላይ ወይኻዓ ብዘይምኽንያት እንተኾነውን የግዳስ ንውላድኩም ብጣዕሚ ከቢድን ሓቒ ኾኖም ክምዝርኣዩ እዮም። ስለዙይ ተስፋ ንዘይምቑራጽን ንዘይምብስጫው ጻዕሪ ምግባር እዩ።

ንውላድኩም ብዘፍርሕ ነገራት ጽን ኢልካ ምስማዕ። ነቶም ኩነታት ኣሚንካ እሞ ንውላድካ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ንምዃንካ ክፈልጥ ምግባር።

ህጻውንቲ ካብዘለዎም ፍርሂ መፍትሒ ክሳብ ዝረኽቡ ግዜ ምሃብ እዩ። ክሳብ ሰሙናት፣ ኣዋርሒ ወይኻዓ ክሳብ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

ብዛዕባ ፍርሂ ሻቕሎት ምስ ህጻውንቲ ኾይንካ ምዝርራብ ነቲ ዘለዎም ስሚዒት የረጋግዕ እዩ።

ብውላድኩም ንዘሎ ሻቕሎትን ጭንቒ ንምጥዓይ ርግዕ ኢልካ ቕልል ብዝበለን ናይ ለባም ጥዑይ መግለጺ ምሃብ እዩ።

ብዘተሓሳሰበኩም ጉዳያት ክትዘራረቡ እሞ ነዞም ነገራት ብከመይ ከርሕቕ ከምዝኽእል ንውላድካ ምዝራብ እዩ።

ዘየፍርሕ ነገር ከምዘየለ ጌርካ ንህጻውንቲ ዘይምዝራብ። ህጻውንቲ እንታይ ከምዝተሰምኦም ንዘይምፍላጥ ብዙሕ መልእኽቲ ክመሓላለፍ ይኽእል።

ህጻውንቲ በቲ ዘለዎም ኩነታ ክሓስቡ ብምግባር ንዘለዎም ሻቕሎት ከቓልሉ ይኽእል። ንኣብነት፡ ውላድኩም ብጸልማት ወይ ብምሸት ዝፈርሕ እንተኾይኑ እሞ ንባንቡላ ከም መከላኸሊ ብምጥቃም ናይ መደቐሲ ግዜ ከምዝኾነ በዙይ ኣሰራርሓ መንገዲ ስምምዕነት ብምግባር ምቕጻል፣ ኣብ ጸልማት እዋን ብርሃን መርከቢ ሜላ ክምዘሎ ምዝርራብ እዩ።

ብዙሕ ግዜ ህጻውንቲ ብዛዕባ ሽቕሎትን ጭንቒ ገሊጾም ክዛረብ ኣይኽእሉን። ኣብ ህጻውንቲ ንዘሎ ፍርሂ ጭንቒ ብጸወታ ክቆጻጸርዎ ምሕጋዝ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓኪማት ምጽዋት፤ ናብ ሓኪም ክኸዱ እንከሎ ንዘለዎም ጸገም ፍርሂ ንምውጋድ ክሕግዝ ይኽእል።

ህጻውንቲ ኣብ ተለቪዥን ንዝርእይዎ ምቁጽጻር፣ ንዘለዎም ፍርሂ ንምቕናስ ይኻኣል። ከፍርህ ብዝኽእል ግቡዕ ካብዘይኾነ ነገራት ንህጻውንቲ ክርሕቑ ምግባር።

ንስኹም ብዝፈለጥኹሞ ኩነታትን ንህጻውንቲ ሻቕሎት ብዘይፈጥር ነገራት ንምውሳድ ምድላው ይኸውን። ህጻውንቲ ዝሻቐሉ እንተኾይኖም እሞ ኣብቲ ኩነት መን ከምዝነብር፣ እንታይ ከምዝግበርን ናይ መን ቆልዓ ምዃድ ከምዝኽእል ምዝርራብ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት፡ ናብ ሓዱሽ ቤት ትምህርቲ ክጅምሩ እንከሎ፣ ክሳብ ትምህርቲ ዝጅመር ንመጀመርታ መዓልቲ ነቱይ ህጻን ምውሳድ፣ ቐዳምን ሰንበትን ናብ መጻወቲ ቦታ ሓቢርካ ብምኻድ ምጽናሕ፣ ኣብቲ ትምህርተ ክፍሊ መውሃቢ ሽቓቕ ኣበይ ከምዘሎን ድሕሪ ትምህርቲ ኣበይ ከምትራኸቡ ነቲ ቦታ ምርኣይ ይኸውን።

ህጻውንቲ ሓደሓደ ግዜ ንዘጋጥሞም ኩነታት ናይ ምቁጽጻር ስሚዒት ስለዝነብሮም እሞ ነቲ ዝነብሮም ፍርሂ ከምዝቕንሰሎም እዩ። ህጻውንቲ ብዛዕባ ዘለዎም ፍርሂ ክጻወሩ ከቢድ ድፊኢት ኣይትግበሩሎም። እሞ ነቲ ዘለዎም ፍርሂ ከይስምኦም ምሕጋዝ እዩ። ንኣብነት፡ ውላድኩም ንዓበይቲ ኸልቢታት ብምርኣይ፣ ምናይ ኸልቢ ባንቡላታት ክጻወት ምግባር፣ ናይ ገዛ እንስሳት ኣብዝሽየጠሉ ሹቕ ንኸልቢ ክር እዩ ምግባርን እሞ ክዳለው እንከሎ ንኡሽቶን ለማዲ ንዝኾነ ኸልቢ ከዕቢዩ ምብርትታዕ እዩ። ህጻውንቲ በቲ ዝገብርዎ ናይ ፍርሂን ሻቕሎት ምቁጽጻር፣ ጻዕሪታት ንክገብሩ ምትብባዕ ይኸውን።

ህጻውንቲ ብዘጋጥሞም ፍርሂን ሻቕሎት ጻዕሪ ክገብሩ እንከሎ ምውዳስን ምትብባዕ እዩ።

ንስኹም ተፍርሁ ወይኻዓ ዘጭንቕ ሰብ ንምዃንኩም ህጻውንቲ ክፈልጡ ኣይግባእን ምኽንያቱ እዙይ ኩነታ ነቲ ዘለዎም ፍርሂ ከግድዶ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ ናትኹም ሻቕሎት ካብቲ ህጻን ዝገደደ ክኸውን ይኽእል። እሞ ካብናትኩም ምብስጫው ተሞኩሮ ህጻውንቲ ብቐሊሉ ክወስዱ ከምዝኽ እሉ እዮም። ስለዙይ ናይባዕልና ሻቕሎት ብኸመይ ክንቆጻጸሮ ከምንኽእል ምሕሳብ።

ብስበሞያ ምኽሪ መዓዝ ከምዘድሊ

ምብስጫው ኣብ ህጻውንቲ ብጣዕሚ ዝተለመደ ስለዝኾነ እሞ በቲ ጽቡቕ ዕቤት ኣካይዳ ብሰንኪ ጭንቐት ጸገም ክጅመር እንከሎ ወለዲ ናይ ሰበሞያ ምኽሪ ምርካብ ኣለዎም። ናይ ውላድኩም ፍርሂን ሻቕሎት በቲ መደበኛ ዕለታዊ ኣነባብሮ ዕንቅፋት ምዃን እሞ ድሕሪ ኣዋርሒ ብጀካ ምምሕያሽ እንዳገደደ እንተመጺኡ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምኩም/GP፣ ካብ ህጻን ሓኪምን ቤት ትምህርቲ መማኽርቲ ሓበሬታ ምርካብ የድልየኩም እዩ።