ናይ ሕጻን ውላድኩም ርኽክብ ምርዳእ

ሓድሽ ሕጻን ናብ ቤት ምምጻእ ንወለድ ሕጻንን ንኽልቲኦም ዘሐጉስን ዘፍርሕን ክኸውን ይኽእል።

እቲ ቀንዲ ናይ ሓድሽ ሕጻን ክንክን ማለት ነቲ ሕጻን ዘድልዩዎ ነገራት ከም ዝተማልኡ ርግጸኛ ምዃን እዩ። ንሓደስቲ ሕጻናት ዘድልዩዎም ነገራት ኣዝዮም መሰረታውያን እዮም፡ ማለት ሕጻውንቲ ዝጠመዩ ምዃኖም፡ ከም ዝደከሙን ከም ዘይመችኦምን እዮም።

ንሕጻን ዘይምቹእ ኩነታት ዝስምዖ፡-

  • ኣዝዩ ሃሩር ወይ ኣዝዩ ቁሪ
  • ናፒ ክቕየረሉ ምስ ዝደሊ
  • ምስ ዝቕንዘዉ (ሕማም እዝኒ፡ ሕማም ከብዲ)፡ ንዕብይ ዝበሉ ሕጻናት ሕማም ስኒ
  • ምስ ዝፈርሑ፡ ምስ ዝጽምዎም ወይ ምስ ዝስልኪዮም
  • ዘይምጥዓይ (ምናልባት ልዕል ዝበለ ምቘት)

ሕጻናት ዘድልዩዎም ነገራት ንከነግሩን (ንክራኸቡን) ንናይ ወለዶም ጠመተ ምእንቲ ክረኽቡን ዝተፋላለዩ መገዲታት ኣለዎም። ወለዲ እቶም ምልክታት እንታይ ምዃኖምን ብኸመይ መልሲ ክህቡ ከም ዘለዎምን ምስ ግዜ ይምሃሩዎም። ኣብ መጀመርያ’ኳ ነቶም ምልክታት ዘይተለልዮምን ወይ ዘይትርጉሞም ትህቦምን ትኸውን። ናይ ሕጻናት ምልክታት ክትርድኦምን ኮዳቶም ክትፈትሕን ግዜ ይወስድ።

ስለምንታይ ሕጻናት ይበኽዩ

ሕጻን ቆላሕታ ምስ ዝደሊ እታ ቅንዲ ምልክት ዝጥቀመላ ምብካይ እያ። ሕጻን ዝተፋላለዩ ዓይነት ኣበኻኽያታት ዝበኪ ንዝተፋላለዩ ድሌታት ምዃኑ ወለዲ ቀልጢፎም ይመሃሩዎ። ሕጻናት ዝበኽዩ ገለ ነገር ምስ ዝደልዩ እዮም።

ሕጻናት ከሕርቑ ወይ ንስለ ምብካይ ኢሎም ኣይበኽዩን እዮም። ሕጻናት ክስምዖም ይኽእል እምበር ክሓስቡ፡ እቀዲሞም ክነግሩ ወይ ክጠልቡ ኣይክእሉን እዮም። ምብካዮም ንኻልኦት ክንደየናይ ከም ዝትንክፍ ኣይፈልጡን እዮም። ንሳቶም ከም ዘድልዮም ይፈልጡ እሞ እዚኣ እያ እታ ሓንቲ መገዲ ዘላቶም እንታይ ከም ዝደለዩ ንኻልኦት ከፍልጡላ ዝኽእሉ። ሕጻን ዝበኪ ንክህሉ ስለ ዝኾነ ወለዲ ነዞም ምልክታት’ዚኣቶም መልሲ ክህቡዎም ይግባእ።

ብዛዕባ ሕጻናትኩም ዝያዳ ኣብ ትማሃሩሉ፡ ሕጻውንቲ ብብዙሓት ካልኦት መገዲታት’ውን ከም ዝራኸቡ ትርድኡ።

ኣብ ገጽ ሕጻን ምስ እንምልከት ብዙሓት ዝተፋላለዩ መገዲታት ዝራኸቡሎም ክግለጽ ይካኣል። ወለዲ ነዞም ምልክታት ንከንብቡ ይማሃሩን ሕጻን ቅድሚ ክበኪ ምድላዩ ኣቐዲሞም ክግምቱ ይኽእሉን። ገለ ሕጻናት ኣዝዮም ገለጽቲ እዮም፡። ኣብ ልዕሊ ኣፍንጫኦም ናይ ምጭናቕ መስመራት ኣብ ምፍጣር ክኢላታት እዮም። እዚ ኣብ ገለ ሕጻናት ብቕልጡፍ ናፒ ምቕያር ከም ዝደለዩ ናይ መጀመርያ ምልክታት ክኸውን ይኽእል። ኣፍ ሕጻውንቲ’ውን ገለጽቲ እዮም፡ ከምኡ’ውን ንከንፈሮም ተቛጻጺሮም መልሓሶም ንመራኸቢ ይጥቀሙ። ሕጻናት ከም ገጾም ኣእዳዎም’ውን ይጥቀሙ እዮም፡ ገለ ነገር ደልዮም ከመልክቱ ከለዉ ብፍላይ ኣእዳዎም ይዓምኩ። ሕጻናት ኣእዳዎም ዓሚኾም ጭብጥ ከብሉዎ ከለዉ ምልክት ናይ ዘይብቹእነት ወይ ጥሜት ሕልክ ኢሎም ከም ዘለዉ ወለዲ ንከለልዩ ይማሃሩ። ሕጻውንቲ ምሉእ ኣካላቶም ብምንቅስቓስ ከም ሕቖኦም ሓፍ ብምባል ብኣእጋሮም ብምቕላዕ ዘድልዮም ነገራት ከም ዘሎ ንወለዲ የጠንቅቑ።

ምስ ሕጻን ውላድካ ርኽክብ

ከምቲ ሕጻውንቲ ንዓና ዝራኸቡና፡ ንሕና ካኣ ክንራኸቦም የድሊ። ወለዲ ንሕጻናት ደቆም ክዛረቡ፡ ክስሕቁን ክምብቡዎምን ከም ዘለዎም ተማራመርቲ የጠንቅቑ። እቲ ሕጻን ብዘረባ ኣብ ዘይምልሰሉ ንሕጻን ምዝራብን ምንባብን ኩሉ ግዜ ወለዲ ዕሽነት ኮይኑ ይስምዖም፡ ኮይኑ ግና እቲ ሕጻን ይምልስ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ወለዲ ሕጻን እንታይ ከም ዝደሊ ዝገብሮ ምልክት ንምስትውዓል ዝመሃሩዎ፡ እቲ ሕጻን’ውን ነቲ ዝገብሩዎ ርኽክብ ብምልክታት መልሲ ይህብ።

ዝርርብ ወይ ምንባብ ዝግበረሎም ሕጻናት ኩሉ ግዜ ናብቲ ሰብ ቀው ኢሎም ይጥምቱ፡ ይስሕቁ ወይ ካልእ ድምጺታት ይገብሩን ኣጻብዕቶም ዘርጊሖም ኣእዳዎም ብምንቅስቓስ መልሰ-ርኽክብ ክገብሩ ይኽእሉን ኣእጋሮም ብምምጣጥ ይጻወቱ።

ሕጻናት ናብ ኣገዳሲ ነገራት ብምጥማት ተናቓቒሖም ይድሰቱን ቀጺሎም ካኣ ንደስታኦም ብገጻውን ኣካላውን ቋንቋ ይራኸቡን። እዚ ምልክት ናይ ርኽክብ ምልውዋጥ ኣብ ሞንጎ ወላድን ሕጻንን ንክልቲኦም ከደስቶም ዝኽእል ምጅማር ተገዳስነትን ፍቕሪ ዝምድናን እዩ።

ምሓዝ እቲ ኣገዳሲ ርኽኽብ ምልክት ኣብ ሞንጎ ወላድን ሕጻንን እዩ። ወለዲ ንሕጻናት ደቆም ከመይ ገይሮም ከም ዝደርዙዎም ይማሃሩ፡ እዚ ካብቲ እቲ ሕጻን ዝህቦ ገጻውን ኣካላዊ ቋንቋን እንታይ ከም ዝፈቱን እንታይ ከምዘይፈቱን ይማሃሩ። ሓልዮት፡ ናይ ፍቕሪ ምሓዝ ከም ምሕቋፍን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣታሓሕዛ ሕጻን ብፍላይ ካኣ ንክምችኦ’ውን ኣገዳሲ ኣጋባብ ርኽክብን፡ ፍቑር ዝምድና ኣብ ሞንጎ ወላድን ሕጻንን እዩ።