ንህጻውንቲ ምዕባለ ሓንጎል ጥቕሚ ናይ ወለዲ

ንወዲ ሰብ ምዕባለ ሓንጎል ግዜ ይወስድ እዩ። ማማይ ክውለድ እንከሎ ንሂወት ኣድላይ ዝኾኑ ቐንዲ ኣሰራርሓ ብናይ ሓንጎል ኣቢሉ ይደራጀው - እዚ’ውን ምትንፋስ፣ ናይ ልቢ ህርመት/ምውቓዕ ዘይምልዋጥ፣ ምጡቧቡን ምድቓስ ዘጠቓለለ ይኸውን። ካልእ ናይ ሓንጎል ኣሰራርሓ ምዕባለ ዓመታት ይወስድ እዩ።

ብዛዕባ ውላድኩም ምዕባለ ሓንጎል ዝበለጸ ምፍላጥ ጽቡቕ ክኸውን እንከሎ እሞ ህጻውንቲ ብኸመይ ከምዝሓስቡ፣ ከምዝስምዖም ከምዝተረጋግኡ ንምርዳእ ከምዘኽእል እዩ። ስለዝይ ህጻውንቲ ዝተወሰነ ክሓስቡን ምኽንያት ናይ ምሃብ ክዕለት ይነብሮም - እሞ ኣብ ቐዳሞት ዓመታት ንዝነብሮም ስሚዒታት፣ ኣተሓሳስባን ባሕሪያት ብሓባር ከተሓሕዝዎ ኣይኽእሉን። በዞም ጉዳያት ሓላፍነት ዘለዎ ናይ ሓንጎል ክፍሊ ኣብ ቐዳማይ እዋን ቁልዕነት ኣጅምርን እዩ።

ናይ ህጻውንቲ ሓንጎል ብኸመይ ምዕባለ ከምዝገበረ ንምፍላጥ እሞ ብዙሕ ግዜ ……ንምንታይ? ዝብል ሕቶ ክጥይቁ እንተሎ ምክንያት ይህቡ።

ንምንታይ ነዙይ ይገብሩ?

ንምንታይ እዮም ዘይሰሙኡ?

ንምንታይ እዮም ንሓደ ነገር ዝደጋግምዎ?

ብዛዕባ ሓንጎል ምዕባለ

ነንሕድሕዲኡ ናይ ምዕባለ ሓንጎል ደረጃ ብውርሻ ዘርኢን ብካባቢ ተጽእኖ ከምዘነብሮን እሞ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ እዩ። መብዛሕትኡ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ብሓንጎል ስራሕ መሰረታዊ ዝኾነ ንድፊ ኣወጻጽኣ ሓላፍነት ከምዝወስድ እዩ። ኣብ ሓንጎል ውሽጢ ንዘሎ ረቒቕ ነገራት ኣራኺብካ ንምጥንካር ናይ ስራሕ ልምዲ ሓላፍነት ይነብሮ እዩ።

ኣብ ሂወትና ውሽጢ ንዘጓንፈና ልምዲታት ምላሽ ንምሃብ ሓንጎል ብዘይምቁራጽ ይለዋወጥ እዩ። ኣብ ቐጻላይ ዓመታት ውሽጢ ናይ ህጻውንቲ ሓንጎል ብቐሊል ዝታለል ወይኻዓ ዝለዋወጥ ከም ፕላስቲክ ይኸውን። ይኹን እምበር ሓደሽቲ ልምዲታት ንምርካብ ክትምሃር ንዘሎ ቅርጺ እንዳለዋወጥና ከምንቅጽለሉ ኹሉ ኣብ ሂወት ግዜ ሓንጎል’ውን ከም ፕላስቲክ ኾይኑ ይጸንሕ።

ሓንጎል ካብዙሕ ክፍሊታት ዝተሰርሓ ክምዝኾነን ውዞም ክፍሊታት ዝተፈላለዩ ነገራት ይሰርሑ እዮም። ኒውሮን/ነርቪታት መዕሰሪ ትረኮላታ ክኸውን እንከሎ ንዝተፈላለዩ ናይ ሓንጎል ክፍሊታት ከምዘራኽብ እዩ። ናይዞም ናይ ሓንጎል ክፍሊታት መጠን ርኽቢን ክንደየናይ ዝተደራጀው ንምዃኖም ዝረጋግጽ ልምዲን ብኸመይ ምላሽ ክምዝውሃብ፣ ብዛዕባ ዝምድና ምፍላጥ፣ ኣብ ነገራት ምዝካርን ክትምሃር እንከሎ ተፅእኖ ከምዘለዎ እዩ።

ኣብዝተፈላለየ እዋን ዕድመ ዘተፈላለዩ ናይ ሓንጎል ክፍሊታት ብቕድመ ተኸተል ምዕባለ ይገብሩ እዮም። ስለዙይ ኣብዝተፈላለዩ ህጻውንቲ ውሽጢ ዝፍጠር ልምዲታት ብዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ኣገት ናይ ሓንጎል ክፍሊ ንከጠናኽር ጠቐሜታ ይነብሮ እዩ።

ንውላድኩም ምዕባለ ሓንጎል ንስኹም ቐንዲ ኣርኣያ ከምዝኾንኩም እዩ

ጀማሪ ሓንጎላት ንዘጋጥሞም ኩነታት ብጣዕሚ ፈጣናት እዮም። ንህጻውንቲ ብቕድሚያ ዘጋጥሞም ኩነታትን ናይቲ ከባቢ ኩነታ ብናይ ሓንጎል ምዕባለ ዓቢ ተፅእኖ ይነብሮ እዩ። እሞ ነዙይ’እዩ ወለዲ ኣብናይ ህጻውንቲ ሓንጎል ተፈጥሯኣዊ ዝኾነ ቅርጺ ከስተካኽል ክሕግዝ ዝኽእል።

ኣሞንጎ ህጻውንቲን ወለዲ ዝግበር ደገፍ፤ ደገፍ ምክንኻን ዘየቛርጽ ዝምድናን ርኽቢ ጥዑይ ዝኾነ ሓንጎል ክፈጥር ቐንዲ ሓገዝቲ እዮም።

ጥዑይ ሓንጎል ክፍጠር ምብርትታዕ

ንቆልዑት ብምድራዝ፣ ብምሕቓፍ፣ ምቹው ዝኾነ ንገር ብምፍጣር፣ ብምርውራው፣ ብምዝማርን ብምዝራብ ኣድላይ ንዝኾነ ነገር ብዘይምቁራጽ ምድላው ንሓንጎሎም ምዕባለ ይጠቅም እዩ።

ካብ እዋን ቁልዕነት ጀሚሩ ንውላድካ ምዝርራብን ምንባብ።

ውላድኩም ሓዱሽ ክዕለት ክረክብ እንከሎ ብዙሕ ክለማመድ ብምግባር ዕድል ምፍጣር እዩ። እዙይ ኣብ ሓንጎል ውሽጢ ንዘሎ ምዕባለ ረኽቢታት ክምዝሕግዝ እዩ።

ብዝተኻኣለ መጠን ምስ ውላድካ ምጽዋት እዩ።

ህጻናት ብኣካል ክንቀሳቐሱ፣ ማለት ክም ምንጭራዕ፣ ብሽክሌታ ምዝዋር፣ ኩዕሾ ምጽዋት፣ ምዝላልን ምጉያይ ንምኽኣል ደገፍ ምሃብ።

ህጻውንቲ ንቕድሚት ብዘለዎም ተስፋ ክሓድረሎም ምሕጋዝ እዩ።

ዘየቛርጽ ኣሰራርሓ ሜላታት ምፍጣር እዩ።

ውላድኩም ምስዘጋጠሞም ሓደሽቲ ልምዲታት ከምዝፍትኑ ጌርኩም ደገፍን ሓቤሬታ ምሃብ እዩ።

ህጻውንቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ኣገት ክገብርዎ ብዝኽእሉ ጉዳያት ግልጺ ምግባር። እሞ ካብ ኣቕሚ ንላዕሊ ዘይምድፍፋእ እዩ።

ውላድኩም ቕልል ብዝበለን ደረጃ ብደረጃ ብምልምማድ ተሞኩሮ ክረክቡ ምሕጋዝ እዩ።

እሞ ሓደ ቆል ዓ እንተዘይኾይኑሉ ዘይምሕንጫጭን ንዝገብሮ ጻዕሪታት ምትብባዕ ኣድላይ እዩ።

ስለዙይ ህጻውንቲ ንለውጢ ድልዊ ምግባር እዩ።

ህጻውንቲ ናይ ባዕሎም ሓዱሽ ተመኩሮ ክረኽቡ ምግባር እምበር ንስኹም ከምዝደሌኹሞ ዘይምዃን እዩ።