ቆልዓ ምጽዋት ናይ ወለዲ ስራሕ እዩ

ዓበይቲ ከመይ ጌሮም ቁልዕነቶም ክርስዕዎ ይኽእሉ? ንሳቶም’እውን ብቁልዕነት እዮም ሓሊፎም።

ንውላድና ሓደ ካብቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ጸወታ እዩ። ህጻናት ብጸወታ ምልክዕ ብብዝሒ ይማሃሩ እዮም።

ጸወታ ኣብ ኩሉ መዲያት ኣተ ዓባብያ ይሕግዝ፡

  • ብጉያ፣ ኩዑሶ ምቕላዕን ምድርባይን፣ ንህጻናት ናይ ሚዛን ክእለቶም ምቁጽጻር ክምዕብል ይሕግዞም።
  • ደርፍን ዜማታትን ዘለዎ ዓይነት ጸወታ ናይ ቛንቛ ክ እለቶም ከማዕብሉ ይሕግዞም።
  • ናይ ግድልን ናይ ሕቶን መልሲን ዓይነት ጸወታ ንስነ-ኣእምሯዊ ብቕዓቶም የማዕብሎ።
  • ብሓባር ወይ ተራ እንዳወሰድካ ትጻወቶ ጸወታ ዘሎ ርኽቢ ዝምድና ናይ ምፍላጥ ክዕለቶም የማዕብሉ ከምኡ’ውን ር እሰ ምቁጽጻር የምህሮም።

ጸወታ ቆልዑት ስሚዒቶም ክገልጹ ዝኽእሉሉን ብስሚዒቶን ክሰርሑን ኣገዳሲ ዝኾነ መንገዲ እዩ። ውላድካ ክጻወት ከሎ ምስትዕዘቦን ምስኡ ከምትጻወትን፣ ከመይ ይስምዖ ከምዘሎ ወይኻዓ እንታይ ይሓስብ ከምዘሎ ክትርዳእ ትኽእል።

ኣብ ጸወታ ቆልዑ ወለዲ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ።

ምስ ደቅኻ ምጽዋት፣ ኣወንታዊ ርክቢ ዝምድና ክትሓንጽ ይሕግዘካ።

ከምኡ’ውን ደቅኻ ሓዱሽ ነገራት ንክመሃሩ ክትሕግዞም ዕድል ይህበካ። ንደቅኻ ክትህቦም ትኽእል ዝዓበየ ኣወንታዊ ድጋፍ ምስትንእዶምን ተቐባልነት ከምዘለዎም ምስተፍልጦም እዩ።

ብዓይኒ ቆልዑት እቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ጸወታ ምስ ወለዶም ዝጻወቱሉ ግዘ እዩ። ስለዙይ መዓልታዊ ምስ ደቅኻ ትጻወተሉ ግዜ ክትፈሊ ኣለካ።

ምስ ህጻናት ምጽዋት

ጸወታ ዝተመዛዘነ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዓይነት ጸወታ እንተዳኣ ብጣዕሚ ቀሊሉ ክስልችዎም ይኽእል፣ እንተዳኣ ብጣዕሚ በርቲዑ ድማ ክጸልእዎ ስለዝኽእሉ ከከም ዓቅሞም ክኸውን ኣለዎ።

ጸወታ ባዕሎም ንክመርሑዎ ኣተባብዓዮም። ባዕልኻ ኣይትምራሓዮም።

ድሕንነቶም ብዝሕልወሉ ኣገባብ ክምዝጻወቱ ኣረጋግጽ።

ንደቅኻ ኣብቲ ጸወታ እንታይ ግደ ክትወስድ ከምዝደልዮኻ ሕተቶም።

ንጸወታ ተመጣጣኒ ዝኾነ ግዘ ሃቡ።

ተስፋ ከቑርጾም ስለዝኽእል ምስ ህጻውንቲ ኣይትወዳደር።

ውላድኻ ሓንቲ ዓይነት ጸወታ ደጋጊሙ ክጻወታ እንተዳኣ ደልዩ፣ ትዕግስቲ ግበር ከምኡ’ውን ብዙሕ ተገዳስነት ኣር እዮም። ህጻናት ሓዱሽ ዓይነት ጸወታ ንክለምዱ ብዙሕ ምልምማድ የድልዮም።

ውጽኢቱ ብዘየግድስ ደቅኻ ንዝገብርዎ ጻዕሪታት ከተሞጉሶን ከተተባብዖን ኣለካ።

ደቅኻ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንኽጻወቱ ዕድል ሃቦም። ንኣብነት፡ ከም ዜማታት ወይ’ድማ ብዛዕባ መዓልታዊ ስራሓቲ ከም ዓራት ምንጻፍ ዝኣመሰለ ነገራት መዝሙር ምፍጣር።

ልዕሊ ኩሉ ምስ ደቅኻ ተጻወት ከምኡ’ውን ስሓቕ ተሓጎስ።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.